Skip to content

Rusta och Matcha

እዚ መደብ ነቶም አብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝተመዝገቡ፣ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንምርካብ ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮም እዮ።  

እቲ ሸቶ ቀልጢፍካ ስራሕ ምርካብ እዩ። 

Rusta och Matcha

ንሕና ኣርቤትሊቭስ ረሱሽ (Arbetslivsresurs) ኣብ ስራሕ ምድላይ ንሕግዘካን/ክን ከምኡውን ደገፍ ንገብረልካን/ ክን: ብተወሳኺ በቲ ናትካ/ ብቕዓት ኮነ ቕሚ በቲ ዘለና ዓቢ መርበብ ምስ ወናኒ ስራሕ ነሰማምዓካን/ክን 
ንሕና ብቑዓት ሰብ ሞያ ብምዕዳም ፍልጠት ነስንቕን ንህብን ከምኡ ውን ምስ ወናኒ ስራሕ ነሰማምዕን 
ናብቲ ናትካ/ ናይ ስራሕ ኮነ ናይ ትምህርቲ መደብ ወይ ዕላማ ንምብጻሕ: ክትረኽቦም/ቢዮም ዘይከኣልካ/ ንኽትረኽቦም ንሕግዘካ/ኪ። 
እቶም ናትና ናይ ስራሕ ኣማኸርቲ: ስራሕ አበይ ይርከብ ንብወግዒ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ንዝወጽኡን ይወጽኡን ይፈልጡን ከምኡ ውን ንኽትረኽቦም ይሕግዙን 

ምሳና ኣብ ኣርቤትሊቭስ ረሱሽ (Arbetslivsresurs) ዝወሃበካኪ መደብ ወይ ውጥን

01

ምስ ቤት/ጽሕፈት ዕዮ ተራኸብ 

ምስ ቤት ጽሕፈት ዕዮ 
(አርበትስፎርመድሊንግ) ተራኺብካ  
ናይ ሩስታ ማቻ መደብ ዝምልከተካ  
ተኾይኑ ሕተት።

02

አወንታዊ መልሲ እንተሂቦሙኻ 

ከምዝፍቀደካ/ኪ እንተሓቢሮሙኻ/ኺ  
ንዓና አርበትስሊቭስሪሱሽ (Arbetslivsresurs) ምረጽ/ 

03

ቤ/ጽሕፈት ዕዮ(አርበትስፎርመድሊንግ) ውሳነ ይገብር

/ጽሕፈት ዕዮ(አርበትስፎርመድሊንግ) ምስ አጽደ  
ንሕና ናባኻ/ኺ ደዊልና ናይ ኣኼባ ቆጸራ ንገብር 

ልሙዳት ሕቶታት

ሩስታ ማቻ (Rusta och Matcha) ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝመሓደ ኮይ ኩሎም ድማ ምስ ቤት ጽሕፈት ዕዮ (Arbetsförmedlingen) ውዕል ኣለዎም። ከም ሓደ ስራሕ ዝደሊ ሰብ መጠን፡ ኣብ ምድላይ ስራሕካ ብዝበለጸ ክድግፈካ ይኽእል እዩ ኢልካ እትኣምነሉ ወሃቢ አገልግሎት ክትመርጽ መሰል ኣለካ። ብዘለና ነዊሕ ተመኩሮ ኣብ ምምልማል፡ ምሕያልን ትብባዕን ደለይቲ ስራሕ፡ ትርጉም ዘለዎ አገልግሎት ንኸቕርበልኩም ኣድላዩ ዘበለ ረቛሒታትን ደረጃታትን ከምነማልእ ብርእሰተኣማንነት ክንሕብረኩም ንፈቱ። 

 
ትኩም ኣቕረብቲ አገልግሎት ሩስታ ማቻ (Rusta och Matcha) ክንከውን ክትመርጹና ተስፋ ንገብር። ምሳኹም ብሓባር ኴንና ዕድላት ክንፈጥርን ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ሓደስቲ ተኽእሎታት ክንከፍትን ንኽእል ኢና! 

ሩስታ ማቻ (Rusta och Matcha) ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ (Arbetsförmedlingen) ንዝተመዝገቡ ሰባት: ዝቐርመደ እዮ። ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ዘድሊ ረቛሒታት ከምዝተማል ዝውስን ት ጽሕፈት ዕዮ(Arbetsförmedlingen) እዩ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ እንህቦ አገልግሎት፡ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፡ እንተኾነ ግን ኣብ መደብ ሩስታ ማቻ (Rusta och Matcha) ክትሳተፉ አብ መወዳእታ ት ጽሕፈት ዕዮ(Arbetsförmedlingen) እዩ ዝውን። 

ምሳና ክትጅምር ከለኻ፡ ጸጋታትካን ጥንካረታትካን ዝድህስስ ካርታ አብምውጻእ ዝሕግዘካ ኣማኻሪ ስራሕ ይምደበልካ። ናይ ሓባር ጉዕዞና ውልቃዊ ውጥን ብምውጻእ ኢና ንጅምር። ንስኻን ኣማኻሪ ስራሕካን ብሓባር ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ዕላማኻ ክትበጽሕ ዝሕግዙኻ፡ ንድሌታትካ ዝበለጸ ዝሰማምዑ ንጥፈታት ትመርጹ። 

 
ኣብ Arbetslivsresurs ዘለዉ ኣማኸርቲ ስራሕ፡ ዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታ ኣለዎም፣ ከም ክኢላታት HR ማሕበራዊ ዕዮ፣ ማሕበራዊ ስነፍልጠት፣ ኣማኸርቲ ሞያ፣ መምህራን ወዘተ:: ኩሎም ኣብ ከም CV ምጽሓፍ፣ ሜላታት ቃለ መሕትት፣ ፍልጠት ሕቡኣት ዕዳጋታት ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ዕድላት ስራሕን መርበብ ሓበሬታን ዝኣመሰሉ መዳያት ክእለት ኣለዎም። 

አብ ናይ ሩስታ ማቻ (Rusta och Matcha) መደባትና እትረኽቡዎ:

  • ንገስጋስካ ዝድግፍ ውልቃዊ ኣማኻሪ ስራሕ
  • ናይ ክእለትካን ተመኩሮኻን ካርታ ምውጻእ
  • ሓገዝ ምስ ርክባት ኣስራሒ
  • ኣገዳሲን ሞያውን ናይ መመልከቲ ሰነዳት
  • ድርኺት ዝፈጥር ዕላላት
  • ዕዉት ናይ ቃለ መሕትት ሜላታት ተማሃሩ
  • ብዛዕባ ኢንዱስትሪታትን ሞያታትን ፍልጠት
  • ዕዳጋ ስራሕ ከመይ ከም ዝሰርሕ ፍለጥ
  • ምስ ናይ መጽናዕትን ሞያን ኣማኸርትና ናይ መምርሒ መደባት ዕድል

ብዛዕባ ሩስታ ማቻ (Rusta och Matcha) ብኻልእ ቋንቋታት ዝያዳ ኣንብብ

Vill du veta mer?

Kanske behöver du hjälp hur man väljer Arbetslivsresurs som leverantör? Fyll i formuläret så återkommer vi inom kort.

Rusta och matcha medfinansieras av
Europeiska socialfonden.

Tack!

Vad roligt att du vill veta mer om Rusta och Matcha. Vi återkommer till dig inom kort!